ብዛዕባ ኣድልዎ፡ ምልክታትን ጥርዓንን ኣቕርብ

''ቤትስልጣን ኣቤቱታ ኣድልዎ'' (DO) ንኣድልዎ ኣቐዲሙ ንኺከላኸል ብማለት፡ ንኣድልዎን፡ ንኣድልዎ ቅሉዕ ምዃንን፡ ነቲ ኣብ ወሃብ-ስራሕን ኣብ ናይ ትምህርቲ ኣወሃሃድን ዚረአ ናይ ስራሕ ኣድልዎ ዚምልከት ምልክታትን ጥርዓንን ይቕበል።

ምልክታትካን ጥርዓንካን ነቲ ኣንጻር ኣድልዎ እነካይዶ ስራሕ ኣገዳሲ እዩ። ብሓገዝ ናይቲ እተቕርቦ ሓበሬታ ድማ ነቶም ኣብ እተፈላለዩ ማሕበረሰብኣዊ መዳያት ዚረኣዩ ጸገማት ከነለልዮም ንኽእል፣ ኣብዚ ከኣዩ ነቲ ዕቤት ንምሕያልን፡ መምርሒ ንምሃብን፡ ነቲ ኣብ ናይ ኣድልዎ ስግኣታት ዚህሉ ፍልጠት ንምዕባይን ወይ ድማ ነቲ ናይ ምሕጋግ መስርሕ ንምጽላውን ክንነጥፍ ዘሎና።

እቲ ሕጊ ንናይ ውልቃዊ ሰብ ጸገማት ንምፍታሕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብኹለንትናኡ ይሰዓብ ምዃኑ ብእተፈላለየ መገዲ ንምርግጋጽ፡ ሓበሬታ ንጥቀም ኢና። እቲ ሓበሬታ ኣብቲ ቁጽጽራዊ መርመራ ዚብሃል እቱው ኮይኑ፡ ኣብ ገለ ኩነታት ድማ ናብ ፍርዲ የምርሕ እዩ።

ውሑድ ክፋል ምልክታትን ጥርዓንን ጥራይ ናብ መርመራን ውሳኔን የምርሕ እዩ።

ኣብቲ ናይ ''ቤትስልጣን ኣቤቱታ ኣድልዎ'' (DO) መርበብ ሓበሬታ፡ ምልክታትን ጥርዓንን ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ፎርም ወይ ቅጺ ብቛንቋ ሽወደን እዩ፣ ግን ኣብኡ፡ በቲ እትደልዮ ቋንቋ ክትመልእ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ኣድልዎ፡ ምልክታትን ጥርዓንን ኣቕርብ

 

Tillbaka till toppen