Vi arbetar för ett samhälle
fritt från diskriminering.

መምርሒን ደገፍን ካብ ካልኦት ተዋሳእቲ ትካላት

(Vägledning och stöd från andra aktörer)

ኣብ ልዕሊኻ ኣድልዎ እንተ ተፈጺሙ፥ ናብቲ “ጸረ-ኣድልዎ ቢይሮ” (antidiskrimineringsbyrå) ወይ “ማሕበር ሰራሕተኛታት” (fackförbund) ውን ጥርዓን ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ናብ ሓደ ቤት ፍርዲ ውን ብቐጥታ ጥርዓንካ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ነቶም ነንበይኖም ተዋሳእቲ ትካላት፥ ኣብዚ ኣሕጽር ኣቢልና ክንገልጾም ኢና።

ጸረ-ኣድልዎ ኣብያተጽሕፈት

(Antidiskrimineringsbyråer)

ኣብ ነንበይኑ ክፋላት ናይ ሽወደን፥ 18 "ጸረ-ኣድልዎ ኣብያተጽሕፈት" (antidiskrimineringsbyråer (ADB)) ኣሎዋ። እዘን ጸረ-ኣድልዎ ኣብየተጽሕፈት'ዚአን፥ ነጻ ኰይነን ዝሰርሓ ናይ ግብረ-ሰናይ ውድባት ኰይነን፤ ንኣድልዎ ኣብ ዚምልከት ጉዳያት ክሕግዛኻ፥ ከምኡ'ውን ኣብ ነንበይኑ ሕቶታት ነጻ ናይ ጠበቓ ሓገዝ ክህባኻ ዚኽእላ እየን።

ማሕበር ሰራሕተኛታት

(Fackförbund)

ኣብ ሓደ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣባል ምስ ትኸውን፥ እሞ ኣብ ስራሕካ ኣድልዎ ከም ዝተፈጸመካ ኰይኑ ምስ ዝስምዓካ፥ ብቐዳምነት ምስቲ ናትካ ማሕበር ሰራሕተኛታት ድኣ ርክብ ግበር። እቲ ማሕበር ሰራሕተኛ ኣብ ኣድልዎታት ንዚምልከት ጉዳያትን፥ ከምኡ'ውን ኣብ ናይ ወላድነት-ዕረፍቲ ንዚምልከት ኣድልዎታት፥ ነቶም ኣባላቱ ይጣበቐሎም እዩ።

ንሓደ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ምምጓት

(Att driva ett ärende till domstol)

ናይ ክሲ ጥርዓን ውን ናብ ወረዳዊ ቤትፍርዲ (tingsrätten) ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ድማ፡ ክሲ ምቕራብ ማለት ኰይኑ፥ ቤትፍርዲ ነቲ ጉዳይ ኣድልዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ውሳኔ ንኽገብረሉ ንምሕታት'ዩ። ኣብዚ፡ ነቶም ክትራኸቦም ዘድልዩ ወይ ነቶም ክትራኸቦም ትኽእል ክንገልጸልካ ኢና።

ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብያተፍርዲን ብዛዕባ ክሲ ምቕራብን

(Information om domstolar och att väcka talan)

ባዕልኻ ብኸመይ ናብ ቤትፍርዲ ክሲ ከም ተቕርብን፥ እንታይ ወጻኢታት ውን ክህልዎ ከም ዚኽእልን፥ ኣብቲ ኣድራሻ ኢንተርነት ናይ "ኣብያተፍርዲ ሽወደን" (Sveriges Domstolars webbplats)፥ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሕጋዊ-ጠበቓ ወይ "ናይ ጠበቓታት-ቢይሮ" ውን፡ ብዛዕባ'ዚ ሓበሬታ ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም።

ሕጋዊ-ጠበቓ ወይ "ናይ ጠበቓታት-ቢይሮ"

(Jurist- eller advokatbyrå)

ጉዳይካ ኣብ ቤትፍርዲ ንምምጓት፡ ናይ ሕጋዊ-ጠበቓ ሓገዝ ምስ ዘድልየካ፥ ምስ ሓደ ሕጋዊ-ጠበቓ ወይ ናይ "ጠበቓታት-ቢይሮ" ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነት ናይ "ማሕበር ጠበቓታት" (Advokatsamfundets webbplats) ኣቲኻ፥ ነንበይኑ ሓበሬታታት ክትረክብ ኢኻ።

ቁጠባዊ ደግፍ

(Ekonomiskt stöd)

ጠበቓ ዝዀነካ ሰብ ንኽጥቀም ናይ ገንዝብ ሓገዝ ምስ ዘድልየካ፥ ካብቲ ናይ ገዛ-ውሕስነትካ ሓገዝ ክትረክብ ወይ ካብ መንግስታዊ ጠበቓ ናይ ምርካብ ስርዓት ውን፥ ገለ እዋናት ሓገዝ ይወሃብ እዩ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ግን፡ ምስቲ ናትካ ናይ ውሕስነት ኩባንያ፥ ወይ ውን ምስቲ መንግስታዊ ጠበቓ ናይ ምርካብ ስርዓት፥ ወይ ምስ ክልቲኦም ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

Sidinformation

Senast uppdaterad: 19 juli 2022