Vi arbetar för ett samhälle
fritt från diskriminering.

ሓበሬታ ንህጻናትን መንእሰያትን (tigrinska)

ናብ ወኪል ጸረ ኣድልዎ ብደሓን ምጻእ (ወጸኣ/DO). ወጸኣ/DO ማዕረ መሰላት ዕድላትን ኣድልዎ ንምምካት ካብ ባይቶን መንግስትን ዝተዋህቦ ዕማም ዝሰርሕ ሓደ መንግስታዊ ትካል እዩ። ብዛዓባ ወኪል ፡ ኣድልዎን ብኸመይ መመልከቲ ከም እተቕርብን ኣብ’ዚ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣድልዎ እንታይ እዩ?

ኣድልዎ ማለት ሓደ ሰብ ካብ ካልኦት ዝኸፍአ ኣተሓሕዛ ይግበረሉ ማለት እዩ። ኣብ ሕጊ ኣድልዎ ዝተመርኮሰ ከም ኣድልዎ ንኽቑጸር፡ እቲ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ምስ ናይቲ ሰብ ጾታ፡ ስግረ-ጾታዊ መንነት ወይ ነጸብራቕ፡ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታዊ ወይ ካልእ እምነት፡ ጾታዊ ዝንባለ፡ ስክንልናን ዕድመን ዝተኣሳሰር ክኸውን ኣለዎ። እዚኦም ናይ ኣድልዎ መሰረታት ይበሃሉ።

እዞም ዝስዕቡ ኣብነታት ኣድልዎ እዮም፡

  • ሓደ ቤት ቡን ኣዋልድ ጥራይ ክሰርሓ ስለ ዝደሊ ኣብኡ ስራሕ ንዝሓትት ወዲ ይነጽጎ።
  • ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝሰርሕ ሰብ ንሓንቲ ጓል ብዛዕባ ሕብሪ ቆርበታ ሕምቕ ነገራት ይዛረባ።
  • ሓደ ቤት ትምህርቲ ንሓደ ኣደሆደ/ጉድለት-ምስትውዓል/ኣመና-ውዕይነት ስንክልና ዘለዎ ተመሃራይ እኹል ደገፍ ኣይህቦን እዩ።

ሽዱሽተ ዓይነታት ኣድልዎ ኣሎ፡ ቀጥታዊ ኣድልዎ፡ ዘይቀጥታዊ ኣድልዎ፡ ጉድለት ተረካብነት፡ ምስርጣያት፡ ጾታዊ ምስርጣያትን ንምድላው መምርሒታትን።

ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣድልዎ ኣብ’ዚ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኽ (መላገቢ)

ኣብ ብዙሓት ክፋላት ሕብረተሰብ ኣድልዎ ክልኩል እዩ

ኣብ ሽወደን ኣድልዎ ክህሉ የብሉን። እዚ ንኣብነት ኣብ ሕጊ ኣድልዎን ኣብ ውዕል መሰላት ህጽናት ሕቡራት ሃገራትን (ውዕል መሰላት ህጻናት) ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ሕጊ ኣድልዎ ዝተመርኮሰ ኣብ ብዙሓት ቦታታት ኣድልዎ ክልኩል ኣዩ፡ ንኣብነት:

  • ኣብ ቤት ትምርህቲ፡ ኣብ ቅድመ ትምህርትን ኣብ ናጻ ግዜን
  • ኣብ ናይ ስራሕ ቦታታት
  • ኣብ ቡቲካት፡ ድኳንትን ቤት መግብታትን
  • ኣብ ክንክን ጥዕና (ንኣብነት ኣብ መቐበሊታት መንሰያትን ማእከልት ጥዕናን)
  • ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ (ንኣብነት ኣውቶቡሳት፡ ትራምን ሜትሮን)

ወኪል ጸረ ኣድልዎ ወጸኣ/DO እንታይ ይገብር?

ወጸኣ/DO ብዛዕባ ኣድልዎ መመልከቲታት ይምርምር

ኣድልዎ ዝተገብረሎም ኮይኑ ዝስመዖም ሰባት ናብ ወኣ/DO ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም። ናይ ኣጸወ/DO ጠበቓታት እንታይ ከምዘጋጥመ ክምርምሩ ይኽእሉ እዮም። እንድሕር ኣብ ሕጊ ኣድልዎ ዝተመርኮሰ ብዛዓባ ኣድልዎ ዝምልከት ደምዲሞም ወጸኣ/DO ነቲ ኣድልዎ ዝፈጸመ ሰብ ነቲ ኣድልዎ ዝተፈጸሞ ሰብ ገንዘብ ንኽኸፍል ክጠልብ (ናይ ኣድልዎ ክፍሊት) ክጠልብ ይኽእል እዩ።

ፍልጠት ንዘርግሕ

ኣድልዎ ብኸመይ ደው ክብል ከምዝኽእል ንፖለቲከኛታትን ካልኦት ወሰንትን ንነግር ኢና። ንኣብነት፡ ሕጊ ኣድልዎ ካብ ሎሚ ዝያዳ ኣብ ዝበዝሐ ከባቢታት ብቑዕ ክኸውን ኣለዎ፡ ወይ ኣድልዎ ናብ ወጸኣ/DO ምምልካት ከምዝከኣል ብዙሓት ሰባት ክፈልጡ ንክኽእሉ።

ምስ ካላኦት ንተሓባበር ኢና

ብዙሓት እዮም ኣድልዎ ክህሉ ዘይደልዩ ከምኡ’ውን ኣድልዎ ብኸመይ ክዕገት ከምዝኽእል ሓስባት ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ኣለው። ጸኣወ/DO ምስ ካልኦት ሰበስልጣንን ማሕበራትን ኣብ ሽወደንን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ብሓባር ይሰርሕ እዩ።

እንድሕር ብኣድልዎ ተጠቒዕካ

እንድሕር ኣብ ቤት ትምህርቲ ተጠቒዕካ

  • ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዝሰርሕ ሰብ፡ ንኣብነት ሓደ መምህር፡ ኣማኻሪ ወይ ናይ ናጻ ግዜ ሰራሕተኛ ንገር፡ ቤት ትምህርቲ ክሕግዘካ እዩ
  • እንድሕር እቲ ዘጋጥመ ኣድልዎ ክኸአውን ይኽእል እዩ ኢልካ ኣሚንካ፡ ናብ ናይ ጸረ ኣድልዎ ወኪል/DO ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ሕቶታት ንምቕራብ ወይ ምኽሪ ንምሕታት ምስ ጸኣወ/DO (ኣብ ገጻት ዓበይቲ) እውን ርክብ ክትገርብ ትኽእል ኢኻ።
  • እንድሕር ምስ ምኽንያት ኣድልዎ ዝኾነ ምትስሳር ዘይብሉ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ተገይሩልካ ገሃሲ ኣተሓሕዛ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሽዑ ወይ ንሰራሕተኛታት ወይ ንሓለቓ ቤት ትምህርቲ ሓገዝ ሕተት።
    • ካብ ቤት ትምህርት ሓገዝ ምስ ዘይትረክብ ምስ ኮሙን ወይ ምስ ቦርድ ቤት ትምህርቲ ርክብ ክትገርብ ኣለካ። ነዚ ዝሕግዘካ ንሓደ ዓቢ ሰብ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
    • ሕጂ እውን ሓገዝ እንድሕር ዘይረኺብካ፡ ብዝዓባ እቲ ዝተጓንፈ ሓበሬታታት ናብ ወኪል ህጻናትን-ተመሃራይን ክትልእኽ ትኽእል ኢኻ።
  • ከምኡ’ውን ንሓደ እትኣምኖ ዓቢ ሰብ ክትነግሮ ትኽእል ኢኻ። ወላዲ፡ ናይ ዓርኪ ወለዲ፡ ኣሰልጣኒ ወይ ክልእ ዓቢ ሰብ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዓበይቲ ሰባት ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

እንድሕር ካብ ቤት ትምህርቲ ወጻኢ ኣብ ካልእ ቦታ ተጠቒዕካ

  • ንሕደ እትኣምኖ ዓቢ ሰብ ነገር። ወላዲ፡ ናይ ዓርኪ ወለዲ፡ ኣሰልጣኒ ወይ ካልእ ዓቢ ሰብ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዓበይቲ ሰባት ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።
  • እንድሕር እቲ ዘጋጥመ ኣድልዎ ክኸአውን ይኽእል እዩ ኢልካ ኣሚንካ፡ ናብ ናይ ጸረ ኣድልዎ ወኪል/DO ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ትፈልጥ ነይርካዶ?

ጾታዊ ምስርጣያት ሓደ ዓይነት ኣድልዎ ምዃኑ። ግን ገበን እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ገበን ናብ ፖሊስ ክምልከት ኣለዎ።

Sidinformation

Senast uppdaterad: 8 april 2026