ኣድልዎ ንምክልኻል ንጡፍ ስጕምቲታት ምውሳድ

(Aktiva åtgärder för att förebygga diskriminering)

እቲ ሕጊ-ኣድልዎ፡ ናይ ግለ-ሰብ ኣድልዎ ንኸይፍጸም ዚእግድ ትሕዝቶ ዘሎዎ እዩ። ይኹንእምበር፡ እቲ ሕጊ’ቲ፡ ንሓደ ወሃብ ስራሕን፡ ንኣመሓደርቲ ቤትትምህርትን ውን፡ ንጡፍ ስጕምቲታት እናወሰዱ ክሰርሑ ዝጠልብ ሕጊ’ዩ። እዚ ድማ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ንኣድልዎ ንምክልኻል፥ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ንትግባረ ምዕሩይ መሰላትን ዕድላትን ንምትብባዕ እዩ።

ኣድልዎ ምክልኻልን፡ ምትብባዕ ትግባረ ምዕሩይ መሰላትን ዕድላትን

(Förebygga diskriminering och främja rättigheter och möjligheter)

ንጡፍ ስጕምቲታት ምውሳድ ክበሃል ከሎ፥ ነቶም ምስ መሰረታት-ኣድልዎ ምትሕሓዝ ዘሎዎም፥ ማለት ጾታ፡ ጾታዊ-መንነት ወይ ጾታዊ-ገላጽነት፡ ዓሌታዊ እንታውነት፡ ሃይማኖት ወይ ርድኢት-እምነት፡ ስንክልና፡ ጾታዊ-ዝምባሌ ከምኡውን ዕድመ ኣብ ዚምልከት ጉዳያት፥ ኣድልዎ ንኸይፍጸም ንምክልኻልን ንምዕጋትን እዩ። ኣብ ርእሲኡውን፡ መሰረት ናይቲ ኣድልዎ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፥ ኣብ ቦታ ስራሕ ንትግባረ ምዕሩይ መሰላትን ዕድላትን ንምትብባዕ እዩ።

ኣድልዎ ንምክልኻል ቀጻሊ ስራሕ - ብኣርባዕተ ስጕምቲታት

(Kontinuerligt arbete mot diskriminering i fyra steg)

ኵሎም ወሃብቲ-ስራሕን ኣመሓደርቲ ኣብያተትምህርትን፥ ኣድልዎ ንምክልኻል (ንምቅዋም)፤ በዚም ዚስዕቡ ኣርባዕተ ስጕምቲታት፡ ቀጻሊ ስራሕ ክተግብሩ ይግብኦም፡-

  1. ስጕምቲ ተመራመር (Undersök) ናይ ኣልድዎ ምፍጻም ሓደጋ ምህላዉ – ኣትካሪነትን ጾታዊ-ኣትካሪነትን ውን ከምኡ - ወይ ውን ናይ ሕነ ምፍዳይ መቕጻዕቲ ወይ ውን ንናይ ግለ-ሰብ ምዕሩይ መሰላትን ዕድላትን ዝዓግት ነገር ከይህሉ ተመራመር።
  2. ስጕምቲ ተንትን (Analysera) ነቶም ዝረኽብካዮም ሓደጋታትን መዕገቲታትን ተንቲንካ ርኣዮም።
  3. ስጕምቲ ኣተግብር (Åtgärda) – ኣድልዎ ንኸይፍጸም ንምክልኻል፥ ንትግባረ ምዕሩይ መሰላትን ዕድላትን ንምትብባዕን፥ ስጕምቲታት ውሰድ።
  4. ስጕምቲ ተኸታተል (Följ upp) ነቲ ዝወሰድካዮ ስራሕ ድማ ገምግም።

እቲ ስጕምቲታት ናይ ምውሳድ ስራሕ፥ ብቐጻሊ ክትግበር ዝግብኦ እዩ። ወሃብ-ስራሕን ከምኡውን ኣመሓዳሪ ቤትትምህርትን፥ ካብ 25 ንልዕሊ ሰራሕተኛታት ዘሎዉዎ ቦታ ምስ ዚኸውን፥ ነቲ ዝገብሮ ስራሓት ጸብጻብ፡ ብቐጻሊ ክስንዶ ውን ይግብኦ እዩ።

ናይ ወሃብ-ስራሕ ሓላፍነት

(Arbetsgivarens ansvar)

እቲ ወሃብ-ስራሕ፡ ኣብዞም ዚስዕቡ ሓሙሽተ መደብ ምምሕዳራት፥ ነቲ ቀጻሊ ዝዀነ ስርሑ፡ በዞም ኣርባዕተ ስጕምቲታት (ተመራመር፡ ተንትን፡ ኣተግብር፡ ተኸታተል) ክተግብሮ ይግባእ።

  • ኣብ ሃለዋት ስራሕ Arbetsförhållanden
  • ኣብ ሕጋጋትን ኣብ ኣመዳድባ ደሞዛት ከምኡውን ኣብ ኵነታት ኣቆጻጽራ ስራሕ
  • ኣብ ምምልማል ሰራሕተኛታትን ኣመዳድባ ሓላፍነታትን
  • ኣብ ትምህርትን፡ ኣብ ክብ ምባል ዓቕምታትን
  • ኣብ ወላድነትን ተቖጽሪካ ምስራሕን ዘሎ ዕድላት ክተመቻችእ ምፍታን

ኣብቶም ክውሰዱ ዘሎዎም ንጡፍ ስጕምቲታት፥ እቶም ብወሃብ-ስራሕ ክትግበሩ እቱዋት ዝዀኑ ድማ፡-

  • ማዕረ ጾታዊ-ምክፍፋል ከም ዚህሉ ምትብባዕ - ዋላ ብደረጃ መሪሕነት ውን እንተዀነ
  • መምርሒን ናይ ትግባረ መደባትን ኣዳሊኻ፥ "ኣትካሪነትን" "ጾታዊ-ኣትካሪነትን" ከምኡ ውን ሕነ-ምፍዳይ (መቕጻዕቲ) ንኸይርከቡ ንምዕጋት፥ ምክትታልን ግምገማን ምግባር።
  • በብዓመቱ ናይ ደሞዛት መጽናዕቲታት ምግባር

ናይ ቅድመ-ትምህርቲን ናይ ቤትትምህርትን ሓላፍነት

(Förskolans och skolans ansvar)

ቅድመ-ትምህርትን ቤትትምህርትን፡ በዞም ዚስዕቡ ኣርባዕተ ስጕምቲታት (ተመራመር፡ ተንትን፡ ኣተግብር፡ ተኸታተል)፥ ኣብቲ ዘዘለዉዎ ቤትስራሕ፡ ቀጻሊ ዝዀነ ዕዮ ክተግብሩ ይግብኦም።

ኣብቶም ክውሰዱ ዘሎዎም ንጡፍ ስጕምቲታት፥ እቲ ቅድመ-ትምህርትን ቤትትምህርትን ንኽትግብሮም እቱዋት ዝዀኑ ድማ፤ መምርሒን ናይ ትግባረ መደባትን ኣዳሊኻ፥ "ኣትካሪነትን"፡ "ጾታዊ-ኣትካሪነትን" ከምኡ ውን ሕነ-ምፍዳይ (መቕጻዕቲ) ንኸይርከቡ ንምዕጋት፤ ምክትታልን ግምገማን ምግባር።

ናይ ዩኒቨርሲቲ ሓላፍነት

(Högskolans ansvar)
እቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብዞም ዚስዕቡ ሓሙሽተ መደብ ምምሕዳራት፥ ነቲ ቀጻሊ ዝዀነ ስርሑ ብኣርባዕተ ስጕምቲታት (ተመራመር፡ ተንትን፡ ኣተግብር፡ ተኸታተል) ክተግብሮ ይግባእ።

  • ኣብ ኣመዛግባን ኣብ ምምልማልን
  • ኣብቲ ሜላታት ኣወሃህባ ትምህርቲን ኣብቲ ኣመዳድባ ትምህርቲን
  • ኣብ ፈተናታትን ኣገማግማን
  • ኣብ ከባቢ-ትምህርቲ
  • ተመሃራይ ምዃንን ወላድነትን

ኣብቶም ክውሰዱ ዘሎዎም ንጡፍ ስጕምቲታት፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንኽትግብሮም እቱዋት ዝዀኑ ድማ፤ መምርሒን ናይ ትግባረ መደባትን ኣዳሊኻ፥ "ኣትካሪነትን"፡ "ጾታዊ-ኣትካሪነትን" ከምኡ ውን ሕነ-ምፍዳይ (መቕጻዕቲ) ንኸይርከቡ ንምዕጋት፥ ምክትታልን ግምገማን ምግባር።