ናብ “ቤት ስልጣን ኣቤቱታ ኣድልዎ” DO ብደሓን ምጹ!

(Välkommen till Diskrimineringsombudsmannen – DO)

እዚ “ ቤትስልጣን ኣቤቱታ ኣድልዎ” (DO) ዝበሃል፥ እቲ ካብ ኣድልዎ ነጻ ዝዀነ ሕብረተሰብ ንኽህሉ ዝሰርሕ ቤት ስልጣን እዩ። ንሕና ካብ ባይቶ ሃገር ሽወደንን ካብ መንግስቲ ሽወደንን መዝነት ተዋሂቡና እንሰርሕ ድማ ኢና። ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ ብዛዕባ “ኣድልዎ”፥ ብዛዕባ “ቤትስልጣን ኣቤቱታ ኣድልዎ” DO እንታይ ከም ዚሰርሕ፥ ከምኡ’ውን ብኸመይ ምልክታ ከም ተቕርብን፥ መሰረታዊ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ኣድልዎ ምግባር ብመሰረት ሕጊ ክልኩል እዩ

(Diskriminering är förbjudet enligt lagen)

እቲ ሕጊ-ኣድልዎ ዝበሃል፥ እቲ ንውልቀ-ሰብ ኣብ ልዕሊኡ ኣድልዎ ንኸይፍጸም ዝከላኸል ሕጊ'ዩ። እዚ ማለት ድማ ንኣብነት፥ ሓደ ወሃብ-ስራሕ፡ ኣብ ሰራሕተኛታቱ ኣድልዎ ንኸይፍጽም፥ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ንተመሃሮን ንሰራሕተኛታትን ከየዳሉ፥ ከምኡ'ውን ሓደ ናይ ዱኳን ሰራሕተኛ፥ ኣብ ልዕሊ ዓመውል ኣድልዎ ንኸይገብር ዝኽልክል እዩ። እቲ ሓላፊ ናይ ሓደ ቤትስራሕ፥ ኣብቲ ቤትስራሕ'ቲ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ኣድልዎ ንኸይፍጽሙ ሓላፍነት ዘሎዎ ድማ ንሱ እዩ።

እዚ "ቤትስልጣን ኣቤቱታ ኣድልዎ" (DO) እቲ "ሓጊ-ኣድልዎ" (diskrimineringslagen) ንኽስዓብ ዝቋመት'ዩ። ነቲ "ናይ ወላድነት ዕረፍቲ ሕጊ" (föräldraledighetslagen) ንኽስዓብ ውን ንቋመት ኢና። ብመሰረት'ቲ "ናይ ወላድነት ዕረፍቲ ሕጊ" ንኣብነት፥ ናይ ወላድነት ዕረፍቲ ክትወስድ ከሎኻ፥ ኣድልዎ ንኸይፍጸመካ ዝግበር ሓለዋ ማለት'ዩ። እቲ ናትና መዝነት፡ ኣብቲ ብዛዕባ "ቤትስልጣን ኣቤቱታ ኣድልዎ" ጸዲቑ ዘሎ ሕጊ ዝተመስረተ እዩ።

YouTube - "ብዓልስልጣን ኣቤቱታ ኣድልዎ" Diskrimineringsombudsmannen (DO) እንታይ'ዩ ዝሰርሕ?

እቶም ሸውዓተ "ናይ ኣድልዎ መሰረታት"

(De sju diskrimineringsgrunderna)

ብመሰረት'ቲ "ሕጊ-ኣድልዎ"፥ ሸውዓተ ናይ ኣድልዎ መሰረታት ኣሎዉ። ንሳቶም ድማ፡ እቶም ናይ ኣድልዎ መሰረታት ተባሂሎም'ዮም ዝጽውዑ። ትሕዝትኦም ድማ፡-

  • ጾታ
  • ጾታዊ-መንነት ወይ ጾታዊ-ወስታ
  • ዓሌታዊ-እንታውነት
  • ሃይማኖት ወይ ካልእ ርድኢት-እምነት
  • ዓቕማዊ-ስንክልና
  • ጾታዊ-ዝምባሌን
  • ዕድመ እዮም።

ብዛዕባ'ዞም ሸውዓተ ናይ ኣድልዎ መሰረታት ኣብዚ ዝያዳ ኣንብብ።

ሕቶታትዶ ኣሎካ ይኸውን?

(Har du frågor?)

ብዛዕባ "ኣድልዎ"፡ ብዛዕባ "ሕጊ-ኣድልዎ" ወይ ብዛዕባ ኣቀራርባ ናይ ጥርዓን ምልክታ፡ ሕቶታት ምስ ዚህልወካ፥ ክትድውለልና ወይ ኤ-ፖስት ክትልእከልና ንዕድመካ። ንሕና ነቶም ብዛዕባ ኣድልዎ ዝተላእኩልና ምልክታታት ውን ተቐቢልና፥ ንኣብነት ኣብቲ ናይ ምክትታልን ጸቕጢ ኣብ ምግባርን ስራሕና፥ ክንጥቀመሎም ኢና።
08-120 20 700
do@do.se